Friday , May 17 2024

ኣብ ማልመ፡ ዋጋ ሚልዮናት ዝትመን ንብረት ተራስዩ

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከብ ኖራ ግሬኘስፐሪስጎታን (Norra Grängesbergsgatan) ዝተባህለ ኣከባቢ ዝተኻየደ፡ ብቮርቪንተር (Vårvinter) ዝፍለጥ ስርሒት፡ ጥረ ገንዘብ፡ መካይን፡ ተሽከርከርትን ዝተሰርቀ ምዃኑ ዝጥርጠር ዋጋ ሚልዮናት ክሮነ ዝኸውን ንብረት ከምዝተራሰየ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ኣብ ገጻት ፌስቡኩ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ስርሒት ቮርቪንተር፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ኣብ ጽርግያ ንዝሓልፋ መካይን ኣብ ምቁጽጻርን ዘቕነዐ ስርሒት እዩ።

ኣብዚ ስርሒት፡ ብጀካ ፖሊስ፡ ኣሃዱ ህጹጽ ረዲኤት፡ ኣከባብያዊ ምሕደራ ከተማ ማልመ፡ በዓል መዚ ኩነታት ስራሕ ሽወደንን በዓል መዚ ሕጋዊ ኣፈጻጻም ሽወደንን ከምዝተሳተፉ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com