Sunday , May 19 2024
Credit: Pixabay

ኣብ ማእከላይ ኦረ ዕልቕልቕ ኣጋጢሙ።

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ኣብ እትርከብ በራኽ መዘናግዒት ከተማ ኦረ ብ እምባታት ኣቢሉ ዝሓልፍ ሩባ ሱሳባከን፥ ብሰንኪ ርቱዕ
ዝናብ ትማል ለይቲ ኣቕለቕሊቑ። ጉጅለታት ህይወት ኣድሕንን ፖሊስን ብምኽንያት እቲ ክስተት፥ ኣብ ቦታኦም ተረኺቦም ኣለዉ፡፡
ብሰንኪ እቲ ዕልቕልቕ መንገዲ ተሽከርከርቲ E14 ን ኩሎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጽርግያታትን ተዓጽዮም ኣለዉ። እቲ ኲነታት
ነቶም ተቐማጦ ስንባደ ከም ዝፈጠረሎም፥ ጋዜጠኛ P4 ያምላንድ ሉዊስ ፎርስሊክ ጋርበርግስ፥ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ’ላ።
ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ሽወደን–SMHI–ሎሚ ጽፍሒ ማይ ክልዕል እዩ ብምባል ተወሳኺ ቀይሕ መጠንቀቕታታት
ኣውጺኡ’ሎ፡፡ እዚ መጠንቀቕታ ንኣውራጃታት ቬስትራ ጉትላንድ፡ ቫርምላንድ፡ ኦረብሮ፡ ሃላንድን ገለ ክፋል ቬስትራ ክሮኖበራን
ዝሽፍን እዩ።

Credit: Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com