Friday , May 17 2024

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne)፡ መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከምእንደገና ምውሳኹን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብዙሓት ሰባት፡ መርመራ ኮሮና ስለዘካየዱ እዮም ክትብል፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ስኮነ፡ ኤቫ መላንደር፡ ሓቢራ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራታት፡ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘየርኣዩ ሰባት ከምዝረኸብናን ካልኦት ምስኦም ዝቐርቡ ዝነበሩ ሰባት ድማ መርመራ ከካይዱ ብምሕባርና ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ ክትብል፡ መላንደር፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

መጠነ መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ መንጎ ህጻናትን መንእሰያትን ከምኡ ውን ኣብ ክሊ ዕድመ 30 ክሳብ 49 ዓመት ዘለዉ ሰባት እናዓበየ ምኻዱ፡ ምምሕዳር ስኮነ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ኣካላት ግን ዝተራእየ ወሰኽ ሕሙማት ከምዘየለ እቲ ምምሕዳር ብምውሳኽ ገሊጹ።

120 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ ምምሕዳር ስኮነ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዶ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣስታት 50 ሽሕ ድማ ምሉእ ክታበት ወሲዶም።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com