Saturday , May 18 2024

ኣብ ምምሕዳር ብለኪንገ (Blekinge) ዝርከባ ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ 11 ጥሪ ክዓጽዋ እየን

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኩለን ካብ ሻውዓይ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝምህራ ቤት ትምህርታት፡ ክዕጸዋ ከምዘለወን በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ብለኪንገ መኺሩ።

ብመሰረት ምኽሪ፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቤንግት ዊቴኾ፡ ኩለን ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ ዕለት 11/01/2021 ጀሚረን ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዋ ምዃነን ነዚ ውሳኔ ድማ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ምምሕዳር ብለኪንገ ክተግብረኦ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ውሳኔ፡ ካብ ዕለት 11 ጥሪ ክሳብ 24 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እዘን ቤት ትምህርታት ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክኽተላ ምዃነን ተሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ካብ ዝሕግዙና ረቋሒታት ሓደ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝረአ ጽቕጥቅጥ ምውሓድ ምዃኑ ዶክቶር ዊቴኾ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com