Friday , May 17 2024

ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ 400 ሰባት፡ ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ተለኺፎም

ኣብ ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ ንፈለማ ግዜ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ከምተቐላቐለ ይዝከር። ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ኣስታት 400 ሰባት፡ ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ከምዝተለኽፉ ብበዓል መዚ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ዝተኻየደ ዳህሳስ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብዚ ራብዓይ ሰሙን ናይዚ ዓመት፡ መጠን ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከምዝጎደለ ይፍለጥ። ኣብዚ ራብዓይ ሰሙን፡ ኣስታት 4160 ሓድሽ መልከፍቲ ክረአ እንከሎ፡ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 2% ጎዲሉ ማለት እዩ። ካብዚ ሓድሽ መጠን መልከፍቲ፡ እቶም 10%፡ ብሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ምኳኖም ገምጋማት እቲ በዓል መዚ ይሕብሩ።

ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ መጠን ናይቶም ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት፡ እናወሓደ’ ኳ እንተመጸ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና ዘሎ መጠን ጸቕጢ ግን ዓቢ ምህላዉ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com