Sunday , May 19 2024

ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል ሽወደን፡ ሓያል ህቦብላ ከህሉ ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ተመሓላሊፎም

ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ሽወደን፡ ሓያል ህቦብላዊ ንፋስ ክህሉ ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ከምዝተመሓላለፉን ኣብ ጎትላድ ዝግበር ናይ መርከብ ጉዕዞታት ከምዝተሰረዙን ተሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን (SMHI)፡ ኣብ ሰሜን ባሕሪ ባልቲክ፡ ክሳብ 22 -23 ሜትሮ ኣብ ሓደ ካልኢት ክሕንበብ ዝኽእል ቀዳማይ ደረጃ ዝኾነ ህቦብላ ክነፍስ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ቀዳማይ ደረጃ ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቦብላዊ ንፋስ፡ ንናእሽቱ መዘናግዒ ጀላቡን ናእሽቱ ናይ ጽዕነት ጀላቡን ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል SMHI ሓቢሩ።

ካብ ፖላንድ ናብ ሽወደን፡ ትሑት ጸቕጢ ዘለዎ ንፋስ ይንቀሳቐስ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ባልቲክ ክረአ ዝኽእል ህቦብላ፡ ቀዲሙ ዝመጽእ ምዃኑ SMHI ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክረአ ትጽቢት ይግበረሉ ክትብል ኣብ SVT ክኢላ ሜትሮሎጂ ዝኾነት ማርያ ኦገስቶስ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com