Friday , May 17 2024

ኣብ ሩባ ጋንጅስ፡ ሬሳታት የንሳፍፉ

ብርክት ዝበሉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሬሳታት፡ ኣብ ሩባ ጋንጀስ፡ ህንዲ፡ ከንሳፍፉ ከም እተራእዩ ተገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሬሳታት፡ ኣብ ክልል ቢሃር ጥቓ ወረዳ ቢክሳር ኣብ ዝርከብ ሩባ ከንሳፍፉ ተረኺቢም ኔሮም እዮም። በዓል መዚ እቲ ከባቢ፡ ማንጋል ፕራሳድ ሲንግ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ሓለፍቲ እቲ ከባቢ፡ ንጉዳይ እዞም ሬሳታት ኣመልኪቶም፡ ካበይ ይመጽኡ ምህላዎምን ክንደይ ከም ዝበጽሑብ ኣብ ምጽራይ ምህላዎም” ገሊጹ’ሎ።

እዞም ሬሳታት፡ ኣብ ሩባ ጋንጀስ፡ ዝድርበየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ብዝሒ ምውታትን ዋሕዲ መቃጸሊ ዕንጸይቲን ምዃኑ ሓደ ተቐማጣይ ጋዚፑር ይገልጽ።

ብሰኑይ ጥራይ ክሳብ 71 ሬሳታት ካብቲ ሩባ ክወጹ ከም እተገብረ፡ ሰብ መዚ ምብራቕ ክልል ቢሃር ይገልጹ። ይዂን እምበር፡ ኣማውታ ናይዞም ሰባት ገና ኣይተረጋገጸን ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com