Sunday , May 19 2024

ኣብ ሪዝዩሚ ሚኒስተራት መንግስቲ ዘሎ ጌጋታት ክእረም ተጌሩ

Credit: Fredrik Surell/TT, Samuel Steén/TT, Mikaela Landeström/TT. Montage: Sveriges Radio

መርማሪት መደብ ተሌቪዥን ሽወደን “ኡፕግራድ ግራንስኒን” ዶሴ ውልቃዊ ሓበሬታ ሪዝዩሚ ሓያሎ ሚኒስተራት ግጒይ ሓበሬታ ከም ዝሓዙ ድሕሪ ምቅልዓ ሓይሎ ሚኒስተራት ኣብ ገጻት መንግስቲ ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታኦም ዝገብልጽ ዝርዝራት ይቕይርዎ ምህላዎም ተፈሊጡ። ሚኒስተር ትሕተ ቅርጽን ኣባይትን ኣንድርያስ ካርልሰን፡ ሚኒስተር ህዝባዊ ምምሕዳር ኤሪክ ስሎትነርን ሚኒስተር ኣረጋውያንን ማሕበራዊ ድሕነት ኣና ተንጀን፡ ደረጃ ትምህርቶም ዝምልከት ሓበሬታ ኣሪሞሞ ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ሪዝዩሚ ኩሎም ሚኒስተራት ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ንህዝቢ ቃልዕ ከም ዝግበር ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com