Sunday , May 19 2024

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ መሸንቦባን ክህሉ እዩ ተባሂሉ።

ብመስረት ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን እምባታት ላፕላንድ ብርቱዕ ውርጭን መሸንቦባን ክህሉ እዩ ብምባል ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ብመሰረት ሜትሮሎጂ መጠን ናህሪ ንፋስ ኣብ መንጐ 15 ን 20ን ሜትሮ ንኻልኢት እዩ ክኸውን። ብዘይካዚ ኣብ ግዜያት ለይቲ ብርቱዕ ውርጪ ነዚ ንፋስ ከሰንዮ እዩ ክብል እቲ መግለጺ ኣብሪሁ’ሎ። ብሰንኪ ኣብ ደቡባዊ እምባታት ላፕላንድ ዝኽሰት ብርቱዕ ውርጭን መሸንቦባን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዩምታላንድ፥ ኣብ ውሽጢ ኖርቦተን ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ምውጽኡ ድማ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com