Friday , May 17 2024
Forty-nine percent said they had high confidence in health care, down from last year. (AP Photo/Elaine Thompson) WAET102

ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ዘሎ ምትእምማን፡ ጎዲሉ

ስርዓተ-ክንክን ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ናይ ምክልኻል ክእለቱ ተነቢርሉ ዝነበረ እምነት ካብ ክረምቲ ጀሚሩ እናነከየ ይመጽእ ከም ዘሎ ውጽኢት ናይ `ቲ ብተልእኾ መርበብ ሓበሬታ ዳገንስ ኒሀተር ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምስ`ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ  64% ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 49% ልዑል ምተምማን ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ፡፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ውን፡ እቲ ምትእምማን 67% በጺሑ ከምዝነበረን እዚ ማለት ከኣ እቲ ለበዳ ምስፍሕፋሕ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ፡፡

እዚ ዓቢ ውድቀት እዃ እንተኮነ፡ ናይ ምትእምማን ቅልውላው ኢለ ግን ኣይምጸዋዕኩዎን፡፡ ምክንያቱ ካብ ናይቶም ኣብ ኣገባባት ስርዓተ-ክንክን ጥዕና ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ ምትእምማን ዘይብሎም ቁጽሪ፡ ናይቶም ምትእምማን ዘለዎም ገና ብዕጽፊ ይዛይድ ስለ ዘሎ ክብል ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ተንታኒ መጽናዕቲ ኢፕሶስ ንመርበብ ሓበሬታ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ገሊጹ፡፡

ኣብ`ዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 23% ዝኾኑ ተሓተትቲ ኣብ ስርዓተ-ክንክን ጥዕና ትሑት ናይ ምትእምማን ስምዒት ከምዘለዎም እዮም ገሊጾም፡፡ ይኹን እምበር እዚ ውን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተራእየ ናይ 15% ውጽኢት ክነጻጸር እንከሎ ከም ዝወሰኸ `ዩ ዘመልክት፡፡

ኣብ`ቲ ካብ 11 ክሳብ 24 ጥሪ ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 1,249 ዝኾኑ ሰባት ነቲ ዝቐረበሎም መጽናዕታዊ ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡ ይፍለጥ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com