Saturday , May 18 2024

ኣብ ስቶክሆልም፡ 223 ሽሕ መርመራ ጸረ-ነፍሳት ተኻይዱ

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰኔ፡ መርመራታት ጸረ-ነፍሳት ብነጻ ክካየድ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ኣስታት 223 ሽሕ መረመራታት ከምተኻየደ መርበብ ሓበሬታ TT ገሊጹ።

መርመራ ጸረ-ነፍሳት፡ ሓደ ሰብ ብቫይረስ ኮሮና ተጠቒዑ ምንባሩን ዘይምንባሩን ዝሕብር እዩ።

ካብ መበል 25 ሰሙን ክሳብ 29 ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተኻየደ መርመራታት፡ 16.7% ናይቶም መርመራ ዘካየዱ ሰባት ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ምዃኖም እቲ ውጽኢት ሓቢሩ። ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን እቲ መጠን ከምዘለዎ ኮይኑ ብዙሕ ለውጢ ኣየርኣየን ክብል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆልም ገሊጹ።

መጠን ዝርገሐ መርመራታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ሳምንታት፡ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት መርመራ ንኽገብሩ ቆጸራ ሒዞም ኣለዉ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ 80 ቅምሶ ዝእክባ ኑቕጣታት ኣለዋ። እዚ ቁጽሪ ኣብ ቀጻሊ ክውስኽ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com