Saturday , May 18 2024
Anders Wiklund/TT kod 10040

ኣብ ስቶክሆልም መጠነ ሞት ኮሮና ይንኪ ኣሎ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ግን ይቕጽል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ክጎድል ከምተራእየን ናይቲ ሕማም ህቦብላ ንፋስ ግን ይቕጽል ከምዘሎን ሓላፊ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን፡ ክምዘረጋገጾ TT ሓቢሩ። ኤሪክሰን፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንሕማም ኮቪድ-19፡ ብህቦብላ ንፋስ ከምዘመሳስሎ ይዝከር። ህቦብላ ኮሮና ብምሉእ ሓይሉ እዩ ነፊሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ህቦብላ ንፋስ ብከፊል ይዝሕል ከምዘሎን እዚ ግን ዝቑጸር ኣይኮነን ክብል ኤሪክሰን ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሕሙማትን ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስትፒታል ዝደቀሱ ሰባትን ከምዝጎደለ ተፈሊጡ ኣሎ።

በዚ ድማ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ዘለዉ ሰባት ካብ 1100 ናብ 955 ጎዲሉ ይርከብ። ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክታትል ዘድልዮም ሰባት ድማ ካብ 230 ናብ 193 ጎዲሉ ይርከብ። ቁጽሪ ናይቶም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ደቂተባዕትዮ ካብ ቁጽሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሕማም ኮቪድ-19 ንኹሉ ዕድመ ከጥቅዕ ዝኽእል ሕማም ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክጥንቀቕን ዝኾነ ዓይነት ምልክት ሕማም ምስ ዝስመዖ ኩነታቱ ከይበኣሰ እንከሎ ኣብ ግዚኡ ካብ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ሓገዝ ክሓትት ይግባእ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝፍጸሙ ዝነበሩ ናይ ተራፊክ ጥሕሰታት ብ35% – 40% ኣብ ግዜ ቅልውላው ኮሮና ከምዝጎደሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትራፊክ ሓላፊት ርክባት ዝኾነት ሶስ ቶልቤሪ ሓቢራ። ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ኣድላይነት ካብ ዘይብሎም መገሻታት ከምዝተቖጠቡን፡ ምስጋና ከምዝግበኦምን ብተወሳኺ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com