Monday , May 20 2024

ኣብ ስኮና ዝርከባ ህዝባዊ ኣውቶቡሳት ቀዳማይ ማዕጾ ብምዕጻው ኣብ ስራሕ ይዋፈራ።

ኣብ ስኮና ዝርከብ ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ (Skaneterafiken) ንድሕነት መራሕቲ ኣውቶቡሳቱ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ንቀዳማይ ማዕጾ ናይተን ኣውቶቡሳት ከምዝዓጸወ ሓቢሩ። ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ምዕጻው ውሳነ ሎሚ ንቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢርና ክትብል እታ ኩባንያ ንማዕከን ዜና ሽወደን TT ከምዝሓበረት ተፈሊጡ። መራሕቲ ኣውቶቡሳት ንተሳፈርቲ ብቀዳማይ ማዕጾ ንኸይኣትዉ ክኽልክሉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እዚ ተግባር ኣብ ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ስቶክሆልም ዝስራሓሉ ዘሎ ኮይኑ ድሕነት መራሕቲ ኣውቶቡሳት ኣብ ምሕላው ዓቢ ተራ ከምዝለዎ እዩ ተገምጊሙ። በዚ ምሰርት ድማ ምምሕዳር ስኮነ ኣብነት ስቶክሆልም ብምኽታል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com