Sunday , May 19 2024

ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና ዝኾነ ሰብ፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ

ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምናን መስራቲ ኩባንያ ተስላ፡ ኢሎን ማስክ፡ ናብ ሽወደን ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈ ሓቢሩ።

እዚ ኣሜሪካዊ ሃብታም፡ ብናይ ውልቂ ነፋሪቱ፡ ኣብ መጀምርያ ናይ ወርሒ ሕዳር ናብ ሶርምላንድ ከምዝመጸ መርበብ ሓበሬታ SVT ገሊጹ።

ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን፡ ማስክ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስካቭስታ ድሕሪ ምውራዱ ቀጺሉ ናብ ኢስክሊስቱናን ኣብ ፍሉይ ጽምብል ንምስታፍ ድማ ናብ ኣደራሽ Stora Sundby ኣትዩ ከምዝነበርን ገሊጸን።

ኣብ ሽወደን እንከለኹ፡ ካብ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ኣሜሪካዊ በጻሒ እቲ ቫይረስ ከምዝለኸፈኒ ተረዲኡኒ ኣሎ ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com