Sunday , May 19 2024

ኣብ ሽወደን፡ ሓድሽ ኣገባብ ኣስራርቓ ከም ዘሎ ፖሊስ ሽወደን የጠንቅቕ

ፖሊስ፡ ሕጂ ውን ካልእ ኣገባብ ስርቂ ካብ ባንኪ ሕሳብካ ከጋጥመካ ከም ዝኽእል የጠንቅቅ:: ዘይትፈልጦ ሰብ ይድውለልካ እሞ ብጌጋ ገንዘብ ስውሽ swish ገረልካ ኣሎኩ ይብለካ። እቲ ዝድውል ሰብ ብዙሕ ይቅሬታ እዩ ዝሓትት: ፒሳ : ካብ blocket(ሓራጅ) ወይ ንብረት ገዚአስ ብጌጋ ናባኻ ገንዘብ ስውሻ ጌረዮ ይብለካ:: ወይ ናብ ዓርከይ ክሰድድ እናበልኩ ብጌጋ ናባካ ሰዲደዮ ኢሉ የመኽኒ:: ካብኡ ንስካ ክትመልሰሉ ኢልካ ገንዘቡ ናብ ባንክካ bank Id ትከፍት እሞ ክተረጋግጽ እልካ:: ክፍሊት ከም ዝመጽካ ምስ ኣረጋግጽካ በታ ቁጽሪ ተለፎን ናይቲ ሰብ ክትልእከሉ ባንኪ ሕሳብካ ምስ ትከፍት: ኣብዚ ግዜ እዩ ስርቂ ዝካየድ:: ኣብ ኮምፒተር ኮፍ ኢሉ ባንኪካ ክትከፍት እዩ ዝጽበየካ እቲ ሰራቂ ንክሰርቀካ::ብከምዚ መገዲ ሰብ ምስ ዝረክበካ እሞ ባንክካ ክትከፍት ምስ ዝሓተካ ብዓይኒ ጥርጣረ ጠምቶ::ባንክታትን ጥንቁቃት ትካላትን ብከምዚ ኣይሰርሑን እዮም::ብጌጋ ሰዲደልካ ዝበለካ ንባንክካ ተወከሶም በሎ:: ንስካ ውን ንባንክካ ተወከስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com