Sunday , May 19 2024

ኣብ ሽወደን፡ መጠን ዝቕባበን (Inflation) ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ክውስኽ ከምዝኽእል ገምጋማት ሓቢሮም

መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል 5 ዓመታት ብውሑድ ዓቐን ክውስኽ ከምዝኽእል ካብ ኩባንያ ካንታር ሲፎ ፕሮስፔራ (Kantar Sifo Prospera) ዝወጸ ሓድሽ ዳህሳስ ሓቢሩ።

ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ 0.8% ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ እቲ መጠን ክሳብ 1.7% ክብ ክብል ከምዝኽእል እቲ ሓድሽ ዳህሳስ ሓቢሩ።

ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ መጠን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክውስኽ፡ ግዴታ እዩ ዝበሉ ተሳተፍቲ ዳህሳስ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት፡ መጠን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ 1.9% ክውስኽ ከምዝኽእል፡ ወከልቲ ማሕበር ሰራሕተኛ ክግምግሙ እንከለዉ፡ ብወገን ውድብ ኣስራሕቲ ግን፡ መጠን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ 1.6% ጥራይ ክውስኽ ከምዝኽእል ገምጊሞም።

ካብ ኦረብሮ ዮኒቨርስቲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ካብ ዝተገብሩ ገምጋማት፡ ብወገን ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝቐርቡ ዝነበሩ ናብ ክውንነት ዝቐረቡ ምንባሮም ይገልጽ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ 130 ወከልቲ ገንዘባዊ ዕዳጋ፡ ማሕበር ሰራሕተኛን ውድብ ኣስራሕትን ተሳቲፎም ምንባሮም ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com