Saturday , May 18 2024

ኣብ ሽወደን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት “ማስክ” ዝምልከት ክትዕ ይካየድ

ወቕቲ ቀውዒ እናኣተወ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ዝምለስሉ እዋናት ብምዃኑ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ማስክ ዝምልከት ክትዕ ከምእንደገና ተላዒሉ ምህላዉ SVT ሓቢሩ።
ሽወደን፡ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና እትኽተሎ እስትራተጂ ክትቅይር ብምጽዋዕ፡ ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ፡ ብዝሒ ሰብ ክህሉ (ጭቕጭቕ) ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ንምኽዳን ማስክ ዝግድድ መምርሒ ከተመሓላልፍ ይግባእ ክብል መምህር ስነ ሒሳብ ዝኾነ ቶም ብራይቶን ኣብ ጋዜጣ ዳግኒዝ ኒሂተር ኣብ ዝጸሓፎ ዓምዲ ገሊጹ።
ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ንምኽዳን ማስክ ብትሪ ከምዝነቕፎ፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ምስ ጀርመናዊ ማዕከን ዜና “ቢልድ” ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ጸኒዑ ዘሎ ንምኽዳን ማስክ ዝግድድ መምርሒ ዝምልከት ምስ ተሓተተ፡ ንሱ፡ ንጽልዋ ምኽዳን ማስክ ዝገልጽ እኹል ዝኾነ መጽናዕቲ ብዘይ ምህላዉ ከምዝደንጸዎ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ማስክ እንተተኸደኑ፡ ውጽኢቱ ግን ብጣዕሚ ድኹም ምህላዉ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com