Friday , May 17 2024

ኣብ ሽወደን ብብዝሒ ኮሮና ቫይረስ ዝተጠቕዑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ከምዝኾኑ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ቢት ጽሕፈት ኣብቲ ማዓልታዊ ዝህቦ ዘሎ መግለጺ ዓበይቲ ዜጋታትና ብፍሉይ በዚ ቫይረስ ይጥቅዑን ይሞቱን ስለዘሎዉ፣ ንምክልኻልን ምድሓኖምን ልዑል ጥንቃቐ ክዉሰድ ኣታሓሳሲቡ፣ ስጋብ ሕጂ ተፈሊጡ ከምዘሎ ኣብ መእለይ ትካላት ኣረጋዉያን እቲ ቫይረስ ይማሓላለፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊንሾፒን ሽዱሽተ መእለይ ትካላት ኣረጋዉያን በዚ ሕማም ከም እተለኽፋ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኖርሾፒን ዘሎ ኲነታት ገና ርጉጽ ዘይምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ኖርሾፒን 16 ሰባት በዚ ሕማም ምልካፎም 2 ኣብ ሆስፒታል ምህላዎምን ካልኦት 18 ድማ በዚ ሕማም ተጠርጢሮም ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ። ክንደይ ዝኣኽላ መእለይ ትካላት ኣረጋዉያን  እየን ተለኺፈን ዘለዋ ንዝብል ሕቶ ዳይረክተር ክንክን ጥዕና ማግኑስ ጆሃንሰን ፋሕ ዝበለ ብምዃኑ ምፍላጥ የሸግር እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ። ሰራሕተኛታት ከይተረፉ እዮም ተታሒዞም ዘለዉ ዝበለ ማግኑስ በጻሕቲ ናይ ምእጋድ ስጒምቲ ምውሳዶም ኣብሪሁ።

 ምምሕዳራትን ሓለፍቲ ትካላት መእለይ ኣረጋዉያን፣ ንመኸተ ቫይረስ ኮሮና ስጋብ ሕጂ ተወሲዱ ስጉምትታት ብምድራዕ ኣረጋዉያን ከድሕኑ ይግባእ ክብል፣ እቲ ባዓል መዚ መኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com