Friday , May 17 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ኣብ ሽወደን ብዕድመ ዝነኣሰ ግዳይ ኮሮና ህይወቱ ምሕላፉ ተሓቢሩ።

ወዲ 30 ዓመት ሽወደናዊ ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብሕማም ኮሮና ህይወቱ ምሕላፋን ዝነኣሰ ግዳይ እዚ ሕማም ኮይኑ ከም እተረኽበን ተፈሊጡ። ንሎሚ ሓዊስካ ቊጽሪ ግዳያት ሞት ሽወደን 110 ምብጽሑ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሊጡ’ሎ። ካብ ትማል ክሳብ ሎሚ ተወሳኺ 8 ሰባት ምልካፎም ድማ ተመልኪቱ።

ብዘይካዚ 3700 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ምህላዎን ኣሃዛት እቲ በዓልመዚ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣብ ሽማግለታት ዝረአ ዝነበረ ናህሪ መልከፍቲ ክንኪ ምጅማሩ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ እዩ ክብል ክኢላ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ተግኔል ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com