Saturday , May 18 2024

ኣብ ሽወደን ኣብ ስራሕ ወይ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስ ዘጋጥም ካሕሳ ንምርካብ ክግብሩ ዘለዎም ነገራት።


ኣብ ስራሕ ሓደጋ ምስ ዝፍጠር ወይ ድማ ብስራሕ ዝተታሓሓዘ ምክንያት ምስ ትሓምም ናይ ገንዘብ ኻሕሳ ካብ መድሕን ዉሕስና ሰራሕተኛታት (arbetsskadeförsäkringen)ምርኻብ ይካኣል። ኣገደስቲ 5 ነጥብታት ከነስተውዕለሎም ዝግቡኡ ድማ
1- ምሕታት ካሕሳ
ኻሕሳ ንትረክቡ ጉዳይኩም ንክራኣየልኩምን ባዕልኩም መሕተቲ ቕጥዒ ከተእትው ኣለኩም። ቐጥዒ መሕተቲ ካሕሳ ብ ምክንያት ሓደጋ ዘጋጠመ ኣብ ስራሕኩም(arbetsskada) ምስ ዝከውን ናብ መድሕን ኣፋ (AFA Forsakring) ይላኣክ። ምስ ስራሕኩም ብዝተሓሓዘ ምክንያት ምስ ትሓሙ(sjuskskriven) ድማ ን ናይ ስዊድን ሶሻል ኢንሹራንስ ኤጀንሲ(Försäkringskassan) ትልእኩ።

2- ናይ ምሕባር ግዴታ
ኣብ ስራሕ ዝፍጠሩ ሓደጋታትን ብሰንኪ ስራሕ ዝስዕቡ ናይ ጥዕና ጸገማትን ዉሃብ ስራሕ ን ስዊድን ሶሻል ኢንሹራንስ ኤጀንሲን (FK ) ን ናይ ስራሕን ኣከባቢ በዓል ስልጣን(arbetsmiljoverket) ናይ ምሕባር ግዴታ ኣለዎ። እዚ ምስ ምሕታት ካሕሳ ርኽብ የብሉን።

3- ሕክምና ተወከሱ
ነቲ ዘጋጠመኩም ሓደጋ ሓገዝ ንምርካብን ንምምዝጋብን ኣብ ናይ ሕክምና ኦርኒኩምን ን ሕክምና ብዝቀልጠፈ ምውካስ ኣድላይ እዩ።

4- እገዳስነታት ምቅማጥ ሰነዳትኩም
ዘዉጻኩሞ ወጻኢታት ካሕሳ ንምርካብ ናይ ግድን ሰነዳታት ወጻኢታትኩም ምቕማጥ ከድልየኩምዩ። ተኪልኩም እዉን ካልእ ጠቃሚ ስነዳት ትብሉዎም ኣቀምጡ ምክንያቱ ኣብ ምሕታትት ካሕሳ ከድልዩኩም አዮም።

5- ምሕታት ሓገዝ
እብ ትሰርሕስሉ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመኩም ወይ ብ ሰንኪ ስራሕ ምስ ትሓሙ ሓዝገ ንምርካብ ከመይ ጌርኩም ረፖርት ከም ትገብሩ ን ኣብ ስራሕኩም ዘሎ ተወካሊ ድሕኒነት ስራሕ ምውካስ ይከኣል።

ኣብ ናይ ግሊ ስርሓት ተቖጺርኩም ምስ ትሰርሑ።

መድሕን ሰራሕተኛታትን (arbetsskadeförsäkringarna) ኣብ ኣብ መብዛሕቶም ዕዳጋ ስራሕ ዝተመሳሰለ አዩ። ይኩን እምበር ኣባላት ማህበር ሰራሕተና ST ኮንኩም ብግሊ ዉሃብቲ ስርሓት ዝተቆጸርኩም ዝተገደበ መሰላት ኣለኩም። ን ኣብነት ምስ ስራሕ ብዝተኣሳሰረ ከም ዝሓመምኩም ምስ ዝረጋገጽ ካሕሳ ናይ ዝከሰርኩሞ እቶት(inkomstförlust) ን መከሓሓሲ ዝወረደኩም ቓንዛ ጥራሕ ውሃቢ ስራሕ ይከፍለኩም።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ኻሕሳታት

ኣብ ስራሕ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም
ካብ ናይ ስዊድን ሶሻል ኢንሹራንስ ኤጀንሲ (Försäkringskassan) ወይ ካብቲ ዉዕል ስምምዕ ኣብ መንጎ ሰራሕየኛታትን ዉሃቢ ስራሕ ዘሎ (arbetsskadeförsäkringen) ካብ ሓዲኦም ወይ ካብ ኪልትዮም ካሕሳ ምርካብ ተክእሎታት ኣሎ።

ሊቭ ሬንታ (Livränta )–
ሌቭ ሬንታ ዝወሃብ ንመከሓሓሲ ዝከሰርኩሞ ካብ ስራሕኩም ትረክቦዎ ዝነበርኩም ኣታዊታትኩም ይሽፍን፡ እዚ ድማ ሓደጋ ኣብ ስራሕ ተጋጢሙ በቲ ሓደጋ ምክንያት ናይ ስራሕ ብቕዓትኩም ምስ ዝጎድል ወይ ድማ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ምስ ትወስዱ ወይውን በቲ ዘገጠመኩም ስንክልና ትሑት ዝኾነ እቶቱ ስራሕ ምስ ትቕይሩ ይምልከተኩም። እቲ ክፍሊት ድማ ብ ፎርሳክሪንግስካን ይፍጸም። ካሕሳ ንስክልና ብምክንያት ናይ ስራሕ ዘጋጥም ሓደጋ ንምርካብ ብውሕዱ ሓደ ዓመት ወይ ካቡኡ ንላዕሊ ናይ ስራሕ ብቅዓትኩም ከምዝጎድለን ኣታዊኩምዉን 1/5 ከምዝጎደለን ብ ሕክምና ኪውሰን ኣለዎ። ካሕሳ ሊቭ ሬንታ ብ ምክንያት ስራሕ ዘጋጠመካ ሕማማት ንምርካብ ብ ቤት ጽሕፈት ፎርሰክሪንግካሳን ይውሰን። ብተወሳክውን ፎርሳክሪግስካሳን ንወጻኢታት ናይ ሕክምና ስኒ ን ዕድጊ ፍሉይ መሐገዚ ናውቲ ን ኣካለስንኩላን ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝግበሩ ሕኽምና ክሽፍል ይክልዩ።

ካሕሳ ካብ ብ ዉዕል ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝቕየድ (kollektivavtalade försäkringen)

ናይ ካሕሳ ስንክልና ኣብ ስራሕን ወይ ብሰንኪ ስራሕ ዝኣልይ መድሕን ኣፋ (försäkringsbolaget AF) እዩ። እዚ በዓል መዚ ድማ ኣብ ዝበዝሑ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ናይ ካሕሳ ጉዳያት ይርእይ። እዚ መድሕን ድማ ካብ ፎርሳክሪንግስካሳን ዝከፍሎ ክፍሊት ብተወሳኪ ናይ ቓንዛን ሕማምን ን ቁስሊ ምልክት ምስ ዝገድፍ ኣብ ነብስና ን ሕዱር ስንክልና ምስ ዘጋጥም ተወሳኪ ኻሕሳ ይከፍል።

ኻሕሳ ንስራሕ ንክትወፍር ንዘጋጥሙ ሓደጋታት

ካብ ን ገዛ ናብ ስራሕ ወይ ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ን ዘጋጥሙ ሓደጋታት (färdolycksfall) ይበሃሉ። ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ድማ ካብ ናይ ሓፈሻዊ መድሕን ውዕል ስምምዕ (kollektivavtalade försäkringen) ካሕሳ ምርካብ ይካኣል።
ኣብ 2018 ካሕሳ ን ኣስታት 3343 ተዋሂቡ። መብዛሕቶም ኣብ ስራሕ ንዘጋጠሙን ወይ ካብ ናብ ስራሕ ንምጉዓዝ ዘጋጠሙን ሓደጋታት እዪም።

ገለ ኣብ ሽወድውን ካብ ዘጋጠሙ ዘይንቡር ሓደጋት ኣብ ስራሕ- arbetsskador

ሓደጋ ጋንጋም ስታይል – Gangnam Style-olycka

ሓደ ሓላፊ ናይ ሓደ IT ትካል ኣብ ናይ ሓደ ፈስታ ልደት ናይ ጋንጋም ስትይል ምስ ናይ ጀንትራ ቮልታ እንዳተወዛወዘ አንከሎ እግሩ ተገምዩ ። መዚ ምኽንያት ኣብ ስራሕ ዘጋጠመ ሓደጋ ድማ ኢሉ ኣመልኪቱ  ኣብ ድሕረ ገጽ mitti.se ኣብ 2003 ዘስፈሮ ሓደ ዘገርም ሓደጋ ኮይኑ ተምዝጊቡ ይርከብ። ብድሕርዩ ከመይ እቲ ጉዳይ ቀጺሉ ግን ኣይተሓበረን።

ሓደጋ ዓይኒ ብ ሰንኪ መኽደኒ ሱማ ሻምፓኝ።

ሓደ ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር TUI ዋንነት ገርመን ዝኮነ ትካል መንገዲ ኣየር ኣብ ስራሕ እንከሎ ሻምፓኝ ኪከፍት ክብል እቲ ናይ ሻምፓኝ ሱማ ዓይኑ ድሕሪ ምህራሙ ከም፡ሓደጋ ኣብ ስራሕ ኢሉ ኣመልኪቱ ክብል ሓደ ጋዜጣ ኣርበትስሽድ ኣብ ሕታሙ ኣስፊሩ። እቲ መንገዲ ኣየር ድማ ኩሎም ሰራሕተኛታት ሓደጋ ከይበጽሖም ዝክተልዎ ኣሰራሓ ኣሎ ክብል ርእይቶ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሂብሉ።

ቲንኒቱስ ብ ሰንኪ ዓው ዝበለ ስሓቅ
ሓንቲ ሰበይቲ ጸጋማይ አዝና ተጎዲኣ ድሕሪ መሳርሕታ ዓው ኢላ፡ኣብ ጥቃኣ ምስሓቓ ኪብል ጋዜጣ Smålänningen ሓቢሩ።

ጹማቕ ካብ Så hanterar du arbetsskadan
https://www.publikt.se/artikel/sa-hanterar-du-arbetsskadan-22815


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com