Saturday , May 18 2024

ኣብ ሽወደን ኲነታት ኣየር ወርሒ ታሕሳስ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ሙቐት ከምዝተርእየ ተገሊጹ።

ካርታታት ሜትሮሎጂ ከም ዘርእይዎ ኣብ መላእ ሽወደን ዝህሉ ኲነታት ኣየር ካብቲ ንቡር ልዕል ዝበለ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብሓሙሽተ ዲግሪ ዝልዕል ሙቐት ከም እተመዝገበ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ማእከላይን ደቡብን ክፋል እታ ሃገር ካብ 2 ክሳብ 3 ዲግሪ ወሰኽ ሙቐት ምርኣዮም እውን ተፈሊጡ። እዚ ኣካል ናይቲ ምልውዋጥ ክሊማ ምዃኑ ሓጋይ እቲ ኣዝዩ ዝተጸልወ ወቕቲ ምዃኑን እቲ ትካል ኣመልኪቱ’ሎ።

ካርታ ኲነታት ኣየር ወርሒ ታሕሳስ ቀይሕ እዩ። ኣብዚ ወርሒ ኣብ ሰላሳ ዓመታት ዘይተራእየ ናህሪ ዘለዎ ምውሳኽ ሙቐት ተዓዚብና ኣለና ክብል ኣብ ማእከል ሜትሮሎጂ SMHI ኤሪክ ኢንስትሮን ምስ ጋዜጣ ኣፍትክንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ኣብዚ ዓመት ዝህሉ ዓለማዊ ስእሊ ክውስኽ ሙዃኑ ይሕበር። ናይ ፓሪስ ስምምዕ እንተተተግበረ እውን ዋዒ ዓለምና ብሰለስተ ዲግሪ ምውሳኹ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ድማ ከቢድ ሳዕቤናት ምኽታሉ ዘይተርፍ እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ገለ ካብዚ ሳዕቤናት ምብልሻው ጽሬት ማይን ምውሳኽ ማዕበላት ሙቐትን እዩ ክብል ኤሪክ ገሊጹ። እዚ ተርእዮ ምውሳኽ ሙቐት ኣብ ሽወደን ከም ዝቕጽል ድማ ኣፍሊጡ። ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ሽወደን ብርቱዕ ማይ ምህራሙን እዚ ድማ ናይ ማይ ሽግር ኣብ ሽወደን ክረአ ዘይምዃኑ ዝሕብር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብ ናይ ትሕተ ምድራዊ ማይን ብኣዎንታ ዝጥመት ውጽኢት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com