Saturday , May 18 2024

ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ሲኔማታት ክኽፈታ እየን ተባሂሉ

ኣብ መብዛእትኡ ከባቢታት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ሲኔማታት ከምተኸፍታን፡ እንተኾነ ግን ዋሕዲ በጻሕትን ዓበይቲ ኣሜሪካውያን ፍልሚታትን ኣጋጢምወን ከምዝርከብ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ።

ኣብ ኣደራሻት ኣብያተ ሲኔማታት፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከነአንግድ ክንጅምር ኣለና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ኣብያተ ሲኔማታት ሽወደን፡ ፒተር ፎርንስታም፡ ገሊጹ።

ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ፡ ኣብያተ ሲኔማታት ኣፍደገታተን ዓጽየን ከምዝነበራ ይፍለጥ። ካብ’ዚ ሰሙን ጀሚረን ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፡ እንተወሓደ ሓንቲ ቤት ሲኔማ ክትክፈት ምዃናን ኣብ ሓምለ 31 ድማ ብምሉአን ኣብያተ ሲኔማታት ክኽፈታ መደብ ኣሎ። ነዚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት የእቲና ዕዉት ስራሕ ክንሰርሕ ከምንኽእል እምንቶና ዓቢ እዩ ክብል ክብል ፎርንስታም ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com