Friday , May 17 2024

ኣብ ሽወደን ፈላማይ ምድማጽ ተጀሚሩ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክካየድ 17 መዓልታት ተሪፍዎ እኳ እንተሃለወ፡ ትማል ረቡዕ ፈላማይ ምድማጽ ከም እተጀመረ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ዳርጋ ፍርቆም (ማለት 45%) ካብ ዝተዋህቡ ድምጺታት፡ ኣቐድም ኣቢሎም ከም እተዋህቡ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ቊጽሪ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኻ ተነብያ’ላ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ኣብ 11 መስከረም ክካየድ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com