Saturday , May 18 2024

ኣብ ቀረባ እዋን ምልኣኽ ገንዘብ ብ መንገዲ ስዊሽ (Swish) ካብ ሽወደን ናብ ካሎኦት ሃገራት ኤውሮፓ ክጅምር ሙኻኑ ተሓቢሩ!!

ኤውሮጳዊ ማሕበር ስርዓት ምኽፋል ብ ሞባይላት (EMPSA) ከምዝሓበሮ ብ መንገዲ ስዊሽ ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ምልኣኽ ገንዘብ ክጅምር ሙኻኑ ሓቢሩ። ብ መሰረት ጸብጻብ እዚ ማሕበር  ምትሕላልፍ ገንዘብ ብመንገዲ ስዊሽ ኣብ ቀርባ ግዜ ኣብ ግብሪ ክውዕል ሙዃኑ ሓቢሮም።

በዚ መስረት ብ ኣገለግሎት ስውሽ ብምጣቃም ናብ እዘን ዝስዕባ ሃገራት ኤውሮፓ ማለት በልጂም፣ ጀርመን፣ኣውስትርያ፣ፊላንድ ደንማርክ፣ ፖርትጋል፣ ስዊዘርላንድን ነርወይን ገንዘብ ምትሕላላፍ ክኸኣል እዩ።

ምክትል ኣካያዲ ስውሽ ኣና ሌና ሬትማን  ከምዝሓበሮቶ ናይዚ ሓዱሽ ዝረግሔ ተጠቀምቲ ሚልዮን ሽወደን ስለዝኾነ ነዚ ዕድል ዝኸፍተ ማሕበር ብምምስጋን ን ዝያዳ ምትሕባባር ሃገራት ኤውሮፓ ዘበራትዕ እዩ ክትብል ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com