Sunday , May 19 2024

ኣብ ባርዕ ማያዊ ፓርክ ደሃዩ ኣጥፊኡ ዝነበረ ሰብ ሞይቱ ተረኺቡ

Credit: Björn Larsson Rosvall/TT

ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ማይ ኦሽያና ዓቢ ባርዕ ሓዊ ካብ ዝለዓል ንደሓር ደሃዩ ጠፊኡ ዝነበረ ሰብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ፍርስራስ ሞይቱ ተረኺቡ። ብምኽንያት ሓደጋ ባርዕ ናይዚ ንኽህነጽ 1.3 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ዝተገብረሉ መዘናግዒ ማያዊ መናፈሻ ብውሕዱ 22 ሰባት ቀሊል መቚሰልቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ። “ባህሪ ናይ’ቲ ባርዕ ምግማት ዓቢ ብድሆ’ዩ ነይሩ፡ ኣጀማምራኡ ሃንደበትን ዘየላቡን ምስ ምንባሩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዉ ቀሊል ኣይነበረን” ይብል ምክትል ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ፐር ኒክቪስት ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። እቲ ህጹጽ ገልግሎት መጥፋእቲ፡ ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው፥ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ኩነታት ንሓሙሻይ ተኸታታሊ መዓልቲ ን 24 ሰዓትታት ይሰርሕ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com