Saturday , May 18 2024
Vaccine passports may be available in more places than today. (AP Photo/Andrew Medichini) AJM103

ኣብ ቤት መስተታት: ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሕተት ምዃኑ ተፈሊጡ

መንግስቲ ሽወደን: ኣብ ቤት መግቢታትን ድኳናትን ናይ ክታበት ፓስፖርት ምሕታት ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ። በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣድላይነት ናይዚ ረቛሒ ብዝምልከት ሕጂ ክውስን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ከም Aftonbladet & DN  እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ንምትእትታው ናይዚ ተገሊጹ ዘሎ ረቛሒ ብዝምልከት ንበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከሕልፍ ከሎ ካብዚ ዝሰፍሐ ትርጉም ክህልዎ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ወሳኔ ዝተወሰነ ብሮቡዕ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ናይ ካቢኔት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

ምንጭታት ን Aftonbladet & DN ከምዝሓበሩዎ እንተኾይኑ፡ ኣገደስቲ ዝባሃሉ ከም ቤት መሸጣ መድሓኒትን ዓበይቲ ድኳናትን እዚ ረቛሒ ከም ዘይምልከቶም ገሊጾም ኣለው። ብኻሊእ ወገን ግና፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ መዘናግዒን ባህላዊን ማእከላት፣ ናይ ሸቐጥ ቦታታት፣ ናይ ውልቂ መአከቢ ኣዳራሻትን ናይ ርሑቕ መንገዲ ህዝባውያን መጓዓዝያታትን . . . (መተሓሳሰቢ***እዛ ሓሳብ ኣይተወደአትን)

ከም ትሕዝቶ እቲ እማመ እንተኮይኑ፡ ናይ ክታበት ናይ ምስክርነት ወረቐት ‘የድልይ ድዩ ኣየድልይን’ ዝውስን እቲ ወናኒ ናይዞም ዝተጠቕሱ ንጥፈታት ከም ዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እዚ ማለት፡ እቲ ንኻልኦት ረቛሒታት ዘጠቃልል ናይ ክታበት ናይ ምስክርነት ወረቐታት ኣድላይነትን ኮምኡ’ውን ዝተኣታተወሉ ግዜን፡ በቲ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣቢሉ ዝወሰን ከምዝኾነ የመላኽት። ከም ሚስተር ማሕበራዊ ጉዳያት: ሌና ሃለንግሬን: እንተኾይኑ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ነዚ ዝትግብር በዓል መዚ: እቲ ዘድልይ መሳርሒታት ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ’ሎ።

መንግስቲ፡ እቶም ካልኦት እገዳታት እንድሕር ዘይትግበሩ ኮይኖም፡ እዚ ዝሕተት ፓስፖርት ናይ ክታበት ከም ሓደ ናይ መልከፍቲ መቆጻጸሪ መስርሕ ኮይኑ ከገልግል ስልዝኽእል ነዚ እማመ ብኣዎንታዊ ዓይኒ እዩ ዝርእዮ” ክትብል ሃለንግሬን ን DN ሓቢራ።

እታ ሚኒስተር በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ነዚ ዕድል ክጥቀመሉ ድሌት እንድሕር ኣለዋ ኮይኑ ሕቶ ቀሪቡላ ነይሩ።

እዚ እማመ፡ ዝተፋላለዩ ንጥፈታት ከነዋድድ ወይ ድማ ከነሳልጥ ዝኽልክለና ዕንቅፋት ከነወግድ ዘኽእለና እንተኾይኑ፡ ከም ሓደ ዓቢ ኣዎንታዊ ዕድል ኢና ንርእዮ” ክትብል ኣብሪሃ።

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፣ ብሄራዊ ቦርድ ጥዕናን Welfare and MSB ብሓባር ሰዓት 2 ድሕሪ ቐትሪ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com