Saturday , May 18 2024

ኣብ ብራዚል እተቐትለ ወዲ ኮንጎ፡ ከቢድ ቊጥዐ ኣለዓዒሉ

ኣብ ብራዚላዊት ከተማ ሪዮ ዲ ጀነሮ፡ ብስደት ዝቕመጥ ሓደ ወዲ ኮንጎ ዝቐተሉ፡ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዎም ተገሊጹ።

እቲ ብቪድዮ ዝተቐርጸ መቕተልቲ እዚ ስደተኛ፡ ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ቊጥዐ ፈጢሩ’ሎ። እዚ ሞይሰ ካጋምበ፡ ዝተባህለ ወዲ ኮንጎ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ በጻሕቲ ኣብ ምእንጋድ ዘስርሖ ሓላፊኡ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ደሞዙ ክኸፍሎ ምስ ሓተቶ እዩ ከም ዝቕተል ተጌሩ።

ሰለስተ ሰባት ብናይ ቤዝቦል መጻወቲ ዱላ፡ ክዘብጥዎ ዘርኢ ቪድዮ ተፈንዩ’ሎ። ከንቲባ ከተማ ሪዮ ዲ ጃኔሮ፡ ኤድዋርዶ ፔስ፡ “እዚ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ” ክብል ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ’ሎ።

ካብ ጎነጽ ንክንሃድም ኢልና፡ ካብ ዓድና ኮንጎ ናብ ብራዚል ተሰዲድና ከነብቅዕ፡ ኣብ ብራዚል ከምዚ ዓይነት ማህሰይቲ ክወርደና እንከሎ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ፡ ክትብል ኣደ ግዳይ መሪር ሓዘና ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com