Friday , May 17 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ቬስተርቦተን፡ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ወሲኹ

ኣብ ቬስተርቦተን፡ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ወሲኹ ክብል ቤት ጽሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 59 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሓበረ ጸብጻብ ምምሕዳር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ እቲ ቁጽሪ 31 ምንባሩ ገሊጹ። እዚ ምውሳኽ ብዝሒ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ብሰንኪ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሚድሱመር ዘጋጠመ መልከፍቲን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ባዕላዊ መርመራ ኮቪድ ኣብ እዋን ሚድሱመር ተዓጽዩ ብምንባሩ ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ኣብሪሁ።

እቲ ዝተራእየ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ክሳብ 49 ዓመት ዝርከቡ፡ መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኡምዮ ኣብ ዝኾኑ መንእሰያት ከምዘጋጠመ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ነቲ ብዕለት 01 ሓምለ ዝወጸ ሃገራዊ መምርሒታት ኮቪድ ክኽተል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ከም በዓል ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ንግዳዊ ቦታታትን ካልእን ዝኣመሰሉ ጻዕቂ ሰብ ዘለዎም ቦታታት ክንውገድ ይግባኣና። ድሕነትና ሓሊና ክንጓዓዝን ካብ ገዛ ክንሰርሕን ምልክታት ሕማም ምስ ዝረኣየና ድማ መርመራ ክንገብር ይግባኣና ክትብል ምክትል ሓላፊ ምክትታል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ጉኒላ ፔርሾን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com