Friday , May 17 2024

ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ፡ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ 79 ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ብምእታዎም፡  መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ዝእለዩ ዝነበሩ ሕሙማት ኮሮና፡ 288፡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ እቲ ቁጽሪ፡ ብ27% ብምውሳኹ ናብ 367 ክብ ምባሉ ይፍለጥ።

ሆስፒታላት፡ ከዕለቕልቓን መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ምዕባዩን ኣብ ምምሕዳርና ኣሰካፊ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ ክብል ወሃብ ቃል እቲ ምምሕዳር ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ዮንሾፒን ውን መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ምህላዉ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com