Saturday , May 18 2024

ኣብ ትሕቲ ናይ ክሽነ መሕጸቢ (ላቫንዲኖ) ክተቐምጦም ዘይብልካ ነገራት

ጽበት ክሽነ ዘምጽኦ ሳዕቤን፡ ገለ ሰባት፡ መሳርሒ ኣቕሑ ኣብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ክሓድጉ ትርእይ። እንተኾነ፡ እዞም ተግባራት’ዚኣቶም ጠንቂ  ናይ ጥዕና ጸገም ክኾኑ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።

 ጀርመናዊት መጽሔት፡ ፍሬውንደን፡ ኣብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ክቕመጡ ዘይግብኦም ዝበለቶም ናውቲ ዘርዚራ’ላ።

ናውቲ ጽሬት

ብዙሕ ከሚካል ዘለዎም ናውቲ ጽሬት፡ ካብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ክእለዩ ይግባእ። ትሕቲ ላቫንዲኖ፡ ብቐጻሊ ዝኽፈት ክፋል ናይ ክሽነ ብምዃኑ፡ እቲ ናውቲ ጽሬት ዝኾነ ከሚካል ድማ ስሕት ኢልና ንጥቀመሉ ባእታ እዩ። ኣብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ብዝቕመጥ ከሚካል ክንብከል ተኽእሎታት ስለዘሎ፡ ካብቲ ቦታ ክለዓል ይግባእ።

ተባራዕቲ ነገራት

ብሓፈሻ ተባራዕቲ ነገራት ኣብ ክሽነ ክቕመጡ የብሎምን ዝበለ እቲ መጽሔት እዞም ፍርያት በቲ ኣብ ዝባኖም ዝልጠፍ ናይ እሳት ምልክት ብቐሊሉ ምልላይ ከም ዝከኣል ሓቢሩ።

መወልወሊ ጨርቂ 

መወልወሊ ጨርቂ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ላቫንዲኖ፡ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታ ክቕመጥ ኣለዎ ክብል እዚ ምንጪ ብተወሳኺ ይምዕድ። ምኽንያቱ እዞም ናውቲ ኣብኡ እንድሕር ዝቕመጡ ኮይኖም ብጀርምታት ናይ ምብካል ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com