Monday , May 20 2024

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝእለዩ ሰባት ቁጽሮም ይጎድል።

ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 1672 ሰባት ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ተኣልዩም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንፈለማ ግዜ 481 ሰባት ጥራይ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሃዱ ይእለዩ ከምዘለዉ ኣብ ምምሕዳር እቲ ኣሃዱ ሓላፊት ህጹጽ ረዲኤት ዝኾነት ታሃ ኣሌክሰንደርሾን ሓቢራ። ዝርገሐ ለበዳ ናይ ምጭባጥ ምልክት የርኢ’ኳ እንተሃለወ እቲ ቅልውላው ግን ኣይተወደአን።

እቶም ኣብ ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ተሪፎም ዘለዉ ሰባት ውን ንኣባላት’ቲ ኣሃዱ ጸቕጢ ገይረምሎም ከምዘለዉን ንጸረ ለበዳ ኮሮና ዝምልከት ብኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ዝወሃቡ መምርሒታት ብዕቱብ ምትግባር ከድሊ ምዃኑን ብምውሳኽ ገሊጻ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ሓደ ሕምሲት (1/5) ካብ ዞባታት ሽወደን ምምሕያሽ ክረአ ተጽቢት ይግበረሉ። ልዕሊ 1/5 ካብተን ዞባታት ምምሕያሽ ንኸርእያ ዝከኣለና ክንገብር ኢና ክትብል ወሲኻ።

ሎሚ ዝተመዝገበ ሓድሽ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት 135 ነይሩ። ብድምር 3175 ሰባት ከምዝምቱ ተሓቢሩ ኣሎ። ለበዳ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ተዘርጊሑ’ኳ እንተሃለወ፡ ካብቲ ናይ መጀመርያ ብዝወሓደ መጠን ምዃኑ ምክትል ኣማኻሪ ጉዳያት ለበዳ፡ ኣንዲሽ ቫለንስቲን፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com