Monday , May 20 2024
Credit Pixabay

ኣብ ትካላት ግብረሰናይ ዝሞርኮሱ ዩክሬይናውያን እናበዝሑ ይመጹ።

ኣብዚ ሳመር ኣብ ትካላት ግብረሰናይ ዝምርኮሱ ቆልዑ ዘለዎም ዩክሬናውያን ስድራቤታት ብምኽንያት ዝቕባበ ብርቱዕ ሃስያ
ይወርዶም ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ምስዚ ሕጂ ዘሎ ዝቕባበን ልዑል ዋጋታት ኣስቤዛን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ካብ
ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝረኽብዎ መዓልታዊ ኣበል ደገፍ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ቀይሕ መስቀል ሽወደን ይገልጽ። መዓልታዊ 71 ክሮና
ንምሉእ ወጻኢታት ይግበር ኣሎ–እንተኾነ ግና እዚ ጠለባት ናብራ ክመልእ ኣይክእልን እዩ–ይብል ቀይሕ መስቀል። ሓንቲ ምስ
ሬድዮ ሽወደን እተዘራረበት ዩክሬናዊት ኣደ ንወዳ ነዛ ቱፋሕ እኳ ክትገዝኣሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ቊጠባዊ ኲነታት ምውዳቓ ከይኣክል
ንወዳ ብዛዕባ ኲነታት ከተረድእ ምጽጋማ ትገልጽ። በዚ ድማ ብዙሓት ስድራቤታት መግቢ ንምርካብ ናብ ስቶክሆልም ይጓዓዙ
ኣለዉ
"መግቢ ክንወስድ ኢና ናብዚ እንመጽእ፥ ብዘይ ብእኡ ክንሰርር ዘይሕሰብ እዩ" ትብል ካብ ጋቭለ ናብ ስቶክሆልም ንመግቢ
ዝተጓዕዘት ሊዛ ኣርቱቻ።

 

 

Credit Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com