Sunday , May 19 2024

ኣብ ናይጀርያ፡ ተጨውዮም ዝጸንሑ 42 ሰባት ተለቒቖም

ብዕለት 17/02/2021፡ ካብ ኣብ ሴሜን ናይጀርያ እትርከብ መንግስታዊ ኮሌጅ ሳይንስ ካጋራ፡ 27 ተማሃሮ፡ ሰለስተ ኣባላት ስታፍን 12 ኣባላት ስደራቤቶምን፡ ብድምር 42 ሰባት፡ ብሓደ ዕጡቕ ጒጅለ ተጨውዮም ምንባሮም መደበር ዜና ኣልጀዚራ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።

እዞም ሰባት ቅድሚ ምፍትሖም ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ዞባ ዛምፋራ ካልእ ጭውያ ከምተኻየደን፡ ኣብቲ ስርሒት፡ 300 ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለ ዕጡቓት ከም እተወስዳ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ኣብ ዝርከባ ዞባታት፡ ብዕጡቓት ዝካየዱ ጭውያን ምሕታት በጃ ገንዘብን፡ ኣዝዮም ልሙዳት ምዃኖም ይፍለጥ። ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ጭውያ ስራሕ ሓደ ተመሃራይ ከም እተቐትለ ዝዝከር እዩ። እቶም ተጨውዮም ዝጸንሑ ተማሃሮን ስታፍ ኮሌጅ ሳየንስ ካጋራ፡ ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ናጻ ምስ ወጹ፡ ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ኣቀባብላ ከም ዝገበረሎም ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊት መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ።

ብወገን መንግስትን ዓበይቲ ዓድን ብዝተገብረ ጻዕርታት እዞም ጭዉያት ክልቀቑ ከም ዝኸኣሉ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ፡ ኣሕመድ ኢድሪስ፡ ሓቢሩ’ሎ።

መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኣብ መስርሕ ምሕራር እዞም ጭዉያት፡ ጋር ነብሲ ከፊሉ ድዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ’ሎ።

እዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ ዘሎ ዕግርግር፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ብድሆታት ፕረዚደንት መሓመድ ባሁሪ፡ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com