Sunday , May 19 2024

ኣብ ኖርወይ፡ መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ ተባሂሉ

መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ኖርወር ዝሕተም ጋዜጣ NRK ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ 14 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ግን 11 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ምምዝጋቡ ጋዜጣ NRK ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ ገሊጻ ክብል ሽወደናዊ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ብመሰረት እዞም ኣሃዛት፡ ሽወደን፡ ንዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ዝሓሸ መንገዲ ትኽተል ምህላዋ ዘርኢ ስእሊ እዩ ክብል ምክትል ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ኖርወይ፡ ኢስፒን ናክስታድ፡ ገሊጹ። ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ብድስፒሊን፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብምዝውታርን ምኽርታት ኣሃዱ ጥዕና ብምትግባርን ለበዳ ኮሮና ንኸየስፋሕፍሕ እጃሞም የበርክቱ ኣለዉ ክብል ንኣካይዳ ሕብረተሰብ ሽወደን ሞጒሱ።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ኖርወይ፡ ሰፊሕ ሸፈነ መርመራ ናይ ኮሮና ምክያዳ፡ ብዙሓት ዝተለኽፉ ሰባት ከምተረኽቡ ጋዜጣ NRK ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com