Saturday , May 18 2024

ኣብ ኖርወይ፡ ከም ሙዚቃዊ ፈንጠዝያ ዝጀመረ ናብ ዓቢ ሓደጋ ተቐይሩ

ኣብ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ኣስታት 200 መንእሰያት ዝርከብዎ ሙዚቃዊ ፈንጠዝያ (ጓይላ) ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ ሓደ ህንጻ ዝስራሕ ገዛ (basement) ከም ዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም። ነቲ ተርእዮ ፍልይ ዘብሎ ኩነት፡ ኣብቲ እዋን ሓደጋ ካርቦን ሞኖእክሳይድ ምግጣሙ እዩ ክብል SVT ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ፈንጠዝያ፡ ዘይሕጋዊ ኮይኑ፡ መንእሰያት፡ ብልዑል ድምጺ ሙዚቃ እናኣስምዑ ዕጸ-ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ዝወስድሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣብቲ እዋን ፈንጠዝያ፡ ተወሳኺ ጸዓት ንምርካብ፡ ሓንቲ ጀነሬተር ኣስሪሖም ምንባሮም ይፍለጥ። እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ውጽኢት ናይታ ጀነሬተር ዝኾነ ካርቦን ሞኖክሳይድ ከይተረደኦም ከስተንፍስዎ ብምምሳዮም ከም ተመረዙ ተፈሊጡ።

ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ ምስ መጹ፡ ሽውዓተ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ዝርከብዎም ልዕሊ 20 መንእሰያት ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰዱ ሓቢሮም።

እዚ ፍጻሜ፡ ናብ ሃገራዊ ድንገት (ሓደጋ) ናይ ምቕያር ተኽእሎታት ነይርዎ እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት ይርከቡ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ናይ ሓንጎል ጸገማት ዘጓነፎም ኣለዉ ክብል ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኦስሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት ዝኾነ ዳግ ያኮብሰን ገሊጹ።

እቲ ፈንጠዝያ ዝተኻየደሉ ቦታ (basement)፡ እንትርፎ ሓደ ሜትሮ ጎድኒ ዘለዋ ማዕጾ፡ ካልእ ዝኾነ ከፋት ከምዘይነበሮ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com