Friday , May 17 2024
(AP Photo/Sam McNeil) XBEJ202

ኣብ ኖርወይ ዕቚር ሃብቲ ጸዓት ጸሓይ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ኖርወይ፡ ካብ ጸሓይ ዝርከብ ናይ ኣስታት 200 ቴራዋት ዕቚር ተኽእሎ ፍርያት ጸዓት ምህላዉ ማልታይኮንሳልት ገሊጹ። እዚ መጠን ዕጽፊ ናይቲ እታ ሃገር ካብ ማይን ንፋስን እትረኽቦ ጠቕላላ ፍርያት ጸዓት እዩ።

ኣብ ኖርወይ ገና ዘይተዳህሰሰ ገዚፍ ዕቚር ጸሓያዊ ጸዓት ምህላዉ፡ ኣብ ክላስተር ጸዓት ጸሓይ ካርታ ኣብ ምድላው ዝሰርሕ ብሾርን ቶሩድ ን መደበር ዜና ኖርወይ (NRK) ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኖርወይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ካብ ዘሎ 157 TWh ካብ ማይ ዝርከብ 138 TWh፡ ካብ ንፋስ ዝርከብ ከኣ 15 TWh ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ጸሓይ ዝእከብ መጠን ጸዓት 0.15% ጥራይ ምዃኑ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com