Saturday , May 18 2024

ኣብ ኡፕሳላ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋት 8 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ

ዓርቢ ምሸት ኣብ ጎትሱንዳ፡ ኡፕሳላ፡ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻመ ኣጋጢሙ ከምዝነበረን ኣብቲ ሽዑ እዋን ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። ስዒቡ ድማ ብቐዳም ድሕሪ ቀትሪ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ፍጻመ ፈተነ ቅትለትን ሓደገኛ ናይ ኣጽዋር ገበንን ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር ክብል ካብ ኡብሳላ ንያ ትንድኒን (Uppsala Nya Tidning) ዝቐረቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዕድመ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ካብ 20 ክሳብ 40 ዓመት ከምዝኸውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ዓርቢ ምሸት ሰዓት 09:30 ድ.ቀ. ከምዝተኻየደን ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ከምዝሓበሩን ፖሊስ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍጻሜ ዝተኻየደሉ ኣከባቢ ናይ ከበባ ስርሒት ብምግባር ከምዝጋረዶ ይፍለጥ።  

ነቲ ጉዳይ ሒዝዎ ዘሎ ኣኽባሪ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝምልከት ቅድመ ፍጻመ ሓበሬታ ኣለዎ። ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ከምዝሕብርዎ እቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ኣብ ሞንጎ ክልተ ጉጅለታት ዝተኻየደ ነይሩ ክብል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ምስ UNT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻሜ፡ ዝቖሰሉ ወይ ዝሞቱ ሰባት ነይሮም ዝብል ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com