Saturday , May 18 2024
A pharmacist administers nasal swabs at a pharmacy in Saint Pee sur Nivelle, France (AP Photo/Bob Edme) BOB102

ኣብ ኣመሪካን ፈረንሳን ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ፡ ይውስኽ

ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ንደሓር፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ መዓልቲ ዝበዝሑ ቊጽሪ ሕሙማት ጅር ኦሚክሮን የመዝግባ ምህላወን ካብተን ሃገራት ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

ብመሰረት ማእከል ምክልኻልን ምቊጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብሰኑይ ጥራይ፡ ልዕሊ 440 ሽሕ ሕሙማት ኦሚክሮን ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር፡ ብምኽንያት ክሪስማስ ጸብጻባት ይድንጒዩ ብምህላዎም እዚ ኣሃዝ ካብቲ ክዉን ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ’ለዉ።

እዚ እናኾነ፡ ፈረንሳ፡ መዓልታዊ ዝለዓለ ቊጽሪ ሕሙማት ተረኺቡ ምህላዉ ጸብጺባ’ላ። ትማል ሰሉስ ጥራይ፡ 179,807 ሕሙማት ከም እተረኽቡ ዝገለጸ ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፡ ኦሊቨር ቨራን፡ ምስ ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2022፡ እዚ ቊጽሪ፡ ናብ 250 ሽሕ ክልዕል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ቊጽሪ ግዳያት ኦሚክሮን ክውስኽ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታታት ኣብ ዝህበሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገራት ግሪኽ፥ ፖርቱጋልን እንግሊዝን እውን ተመሳሳሊ ወሰኽ ሕሙማት ኦሚክሮን ተመዝጊቡ ምህላዉ ገሊጸን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com