Saturday , May 18 2024

ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ዋጋ ባጤራ ክሮና ሽወደን ካብ ናይ ኖርዌይ መዘናኡ ልዒሉ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ፍርሂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ምሽምራር ዕዳጋ ነዳዲን ኣብ ዕዳጋ ብርኪ ኖርዌይ ኣሉታዊ ጽልዋ ብምሕዳር ንዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ለጠቕ ከም ዘበሎ ይገለጽ ኣሎ። ሎሚ ዕዳጋ ብርኪታት ኦስሎ ብ 12% ምንቊልቋሉን ድሕሪ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ባጤራ ሽወደን ካብ ናይ ኖርዌይ ልዒሉ ከም እተረኽበን ድማ ተገሊጹ። ዋጋ ሓደ ክሮና ኖርዌይ 0.98 ይሽረፍ ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ።

97% ብርኪ ነዳዲ ብኲባንያ ዘይቲ ኢኲኖር ዝውነን ምስ ምዃኑ ኲባንያታት ነዳዲ ኖርዌይ በዚ ብፍላይ ኣዝየን ከም እተጸልዋ ድማ ይንገር ኣሎ። በዚ ድማ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ -18% ምንቊልቋል ዋጋ ምርኣዩ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com