Saturday , May 18 2024

ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ 30% ካብ ሽወደናውያን ብስነ-ኣእምራዊ ጭንቀት ከምዝሳቐዩ ተፈሊጡ

ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ጸገማት ጭንቀት፡ ምሽቓልን ድቃስ ምስኣንን ከም ዝዛየደ ተፈሊጡ። እቶም ቀንዲ ግዳያት ዝኾኑ ድማ መንእሰያትን እቶም ቅድሚ ሕጂ ስነ ኣእምራዊ ጸገማት ዝነበሮም ምዃኖም ተገሊጹ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ኦብሳላ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ጥራይ፡ ኣስታት 30% ካብ ሽወደናውያን ጸገማት ጭንቀት ከምዘጋጠሞም ተፈሊዩ ኣሎ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ እዚ ቁጽሪ 10% ምዃኑ ይዝከር ክብል ሓቢሩ።

ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ነቶም ተኣፈፍቲ ክፋል ሕብረተ ሰብ ዝበሃሉ ሰባት ብኣጋ ናይ ምልላይ ዓቕሙ ከመሓይሽ ከምዝግባእ ተመራማሪት ካሪን ብሮኪ ሓቢራ።

ሕማቕ ዝኾነ ስምዒት ይስመዓካ እንተድኣ ሃልዩ፡ ምስ ሰብ ክትራኸብ ደሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ ክብል ብስነኪ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ጭንቀት ዝስመዖ ዘሎ መንእሰይ፡ ክርስትያን ኣንደርሾን፡ ተዛሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com