Sunday , May 19 2024

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ብዝሒ ሕቶታት ፍትሕ፡ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ንኽፋትሑ ዝሓተቱ ሰብ ሓደር፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክነጻጻር እንከሎ፡ ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ሃገራውያን ቤት ፍርድታት ሽወደን ሓቢረን።

ጠንቂ ናይዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ክኸውን ከምዝኽእልን ብሰንኪ’ዚ ድማ እቶም ሰብ ሓዳር ብሓንሳብ ዘሕልፍዎ ግዜ ካብቲ ንቡር ዝነውሐ ምንባሩን  ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ናብ ፍትሕ ዘምርሐ ብዙሕ ግጭት ከምዘጋጠመ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስቶክሆልም፡ መምህር ስነ-ህዝቢ (Demography) ዝኾነ ጆናር ኣንደርሾን ንSVT ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ዝተረኽበ መጠን ብዝሒ ሕቶታት ፍትሕ ካብቲ ኣብ ተስዓታትን ኣብ 2009 ዘጋጠሙ ቅልውላዋት ዝነበረ መጠን ብዝሒ ከምዝውሕድ እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ምሕባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት፡ ብዝሒ ሕቶታት ፍትሕ ክሳብ 16000 ክበጽሕ እንከሎ፡ ገምጋም ብዝሒ ናይቶም ኣብ ተመሳሳሊ እዋናት ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሩ ብዝሒ፡ ክሳብ 15300 ከም ዝበጽሑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com