Friday , May 17 2024

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ሕጽረት እንቋቚሖ ከጋጥም ከምዝኽእል ይንገር

ብሰንኪ ኣብ መፍረ ደርሁ ሞንስተሮስ (Mönsterås) ዘጋጠመ መልከፍቲ ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ፡ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ደርሁ ክቕተላ ምዃነን ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ ሕጽረት እንቋቚሖ ከጋጥም ትጽቢት ከም ዘሎ ኩባንያ እንቋቚሖ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ እንቋቚሖታት ብሕብሪ እናለኸኻን  እናመላኻዕካን ዝግበር ኣገባብ ኣበዓዕላ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።

ዋላ’ኳ ጽጹይ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ኣይሃልወና፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ሕጽረት እንቋቚሖ ከጋጥም ምዃኑ ግምት ኣሎና ክብል ፕረሲደንት እቲ ማሕበር፡ ጃን ፖሊን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሽወደናውያን ኣፍረይቲ እንቋቚሖ፡ መጠን ፍርያቶም ንኸይውስኹ ዝዓግቶም ነገር እንተድኣሃልዩ፡ ንምትግባሩ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት ምዃኑ እውን ገሊጹ።

ብሰንኪ ምልባዕ ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ስኮነ ዝርከባ ኣሽሓት መፍረ ደርሁ፡ ከም እተዓጽዋ  በዓል መዚ ሕርሻ ሽወደን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት  በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ደርሁ ኣዝዩ ተላባዓይ ኮይኑ ናብ ሰባት ግና ኣይሓልፍን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com