Sunday , May 19 2024
Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ ኣብ ዝተገብረ ኣጋጣሚ (Random) ናይ ጸረ-ነፍሳት መርመራታት፡ 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ጸብጻባት ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሮም ክብል ራድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። እዞም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ዝተፈልጡ ሰባት ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት ተለኺፎም ዝነበሩ’ሞ ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ KTH ተሓጋጋዚ መምህር ዝኾነ ኒኮላስ ሮክሲድ ሓቢሩ። ቅድሚ በዓል ፋሲካ ዝነበረ ግዜያት ካብቶም ኣብ ካሮለኒስካን KTHን ዝሰርሑ ተመራመርቲ ሓደ ሽሕ መልእኽታት ናብ ዝተፈላለዩ ብኣጋጣሚ ዝተመርጹ እኹላት ሰባት ኣብቲ ዝሰደድዎ ካርድታት ንቅምሶ (Sample) ዝኸውን ንጣብ ደም ክልእኩ ሓቲቶም ነይሮም።

ካብ ዝተላእከ ሓደ ሽሕ መልእኽታት ናይ 550 ሰባት መልሲ መጽኡ። ካብ ዝተመልሰ 550 ቅምሶታት ድማ 446 ንመመርመራ ብቑዕ ኮይኑ ተረኺቡ። ዝያዳ ቁጽሪ ክምለሰና ተስፋ ጌርና ኔርና፡ ሕጂ ውን ኣሸሓት መልእኽታት ሰዲድና መልሲ ንጽበ ኣለና ክብል ሮክሲድ ገሊጹ። ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቅንያት በዓል ፋሲካ ዝተመልሰ ቅምሶ ድማ ኣስታት 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ጸረ-ነፍሳት ኣማዕቢሎም ከምዝርከቡን ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com