Saturday , May 18 2024

ኣብ ኦሬብሮ ትርከብ ምምሕዳር ንዘጋጠማ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ትሓትት።

ኣብ ኦሬብሮ እትርከብ ምምሕዳር ካርልስኲጋ (Karlskogas) ሎሚ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ፡ እዛ ምምሕዳር’ዚኣ ብቁጠባዊ ቅልውላው ትሰቐ ከምዘላን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝጠለበትን ምምሕዳር ስነ-ማሕበር (Socialförvaltningen) ሓቢሩ። መጻኢ ኣንፈት ናይቲ ምምሕዳር ንምምልላይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣጀንዳ ኣማሓዳሪን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፋይናንስ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ። እዛ ምምሕዳር ብሕጽረት 30 ሚልዮን ክሮነር ትሳቐ ከም ዘላ ካብ ተለቪዥን ሽወደን ዝመጸ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ እንኮ መፍትሒ ናይ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሪእዩ ነዚ ምምሕዳር ዝኸውን ተወሳኪ ፈሰስ ገንዘብ ክገብር ከምዘለዎ ኣባል ዓቃባዊ ሰልፍን ኣቦ-ወንበር ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን ዝኾነ ቶኒ ሪንጅ ይሕብር። ብምልኡ ምምሕዳር ሓላፍነት ኮሚቴ ንምሕጋዝ ምሉእ ሓላፍነት ክስከም ከምዘለዎን እዚ መፍትሒ ድማ እቲ ዝበለጸ መፍትሒ እኳ እንተዘይኮነ ገለ ነገር ክግበር ስለ ዘለዎ ከም ግዝያዊ ፍታሕ ምዃኑ ኣደ-ወንበር ስነ-ማሕበራዊ ሽማግለ፡ ማርጋሬታ ካርልሰን ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com