Wednesday , May 15 2024

ኣብ ከባቢ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ብኺሎታት ዝምዘን ዕጸ ፋርስ ተረኺቡ

ኣብ ከባቢ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ማልመ ዝርከብ ጥቓ ናይ ብሽግለታ መንገዲ (tunnel) ዘሎ ቆጥቋጥ፡ ትሽዓተ ኪሎ ዝግመት ዕጸ ፋርስ ብፖሊስ ከምዝተረኽበ ጋዜጣ ሲድስቨንስካን ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ትማሊ ሰሉስ፡ ሓደ ብምስግጋር ዕጸ ፋርስ ዝጥርጠር ሰብ፡ እንታይ ከምዝሓዘት ዘይተፈልጠት ከረጺት ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ቆጥቋጥ ክኣቱ እንከሎ፡ ሓደ ዜጋ ከምዝረኣዮን፡ ተቐላጢፉ ድማ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ዳህሲሱ፡ ነዚ ዕጸ ፋርስ ክረኽቦ ክኢሉ። እታ ከረጺት፡ ብዕጸ ፋርስን ኮኬንን መሊኣ ምጽናሓ ተሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ በዚ ገበን ዝተኸሰ ሰብ እኳ እንተዘየለ፡ ፖሊስ፡ ጥርጡራት ኣብ ምክትታል ከምዝርከብ እታ ጋዜጣ ሓቢራ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com