Friday , May 17 2024

ኣብ ከተማ ኡረብሩ፡ ክልተ ቤት ትምህርታት ተዓጽየን

ኣብ ከተማ ኡረብሩ፡ ኣብ ከባቢ ቪቫላን ሜልሪንኘ ዝርከባ ብኣል ኣዝሃር ዝበሃል ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝመሓደራ ክልተ ቤት ትምህርታት፡ ብበዓል መዚ ምቁጽጻር ቤት ትምህርታት ሽወደን ከምዝተዓጽዋ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ይብል እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ዋንነትን ዓንኬል ምምሕዳራዊ ዓንኬል ናይተን ቤት ትምህርታት፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ዝኾነ ተርእዮታት ስለዘሎ እዩ ክብል ገሊጹ።

እዘን ቤት ትምህርታት ድሕሪ ምዕጻወን፡ እቶም ተማሃሮ ዝነብሩለን ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብ ከባቢ ዝነብርሉ ቦታ፡ ቤት ትምህርታት ክረኽባሎም ክግደዳ እየን። ብተወሳኺ ድማ፡ እዞም ተማሃሮን ስድራቤቶምን፡ ኣብ ዝደለይዎ ቤት ትምህርታት ቦታ እንተድኣ ተረኺቡ ክምዝግብሮም ከምዝኽእሉ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ ኣሎ።

ማሕበር ግብረ ሰናይ፡ ኣል ኣዝሃር፡ ነዚ ውሳኔ፡ ይግባይ ክብለሉ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com