Saturday , May 18 2024
Adam Ihse/TT)

ኣብ ከተማ ዮቶበሪ ንደገፍ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተኻይደ ሰልፊ ናብ ጎነጽ ኣምሪሑ።

ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ነቲ ብደረጃ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሂወት ጸለምቲ ዋጋ ኣሎዎ ብዝብል ምንቅስቓስ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ዓሌትነት ኣድልዎን ዝዕላምኡ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ብምድጋፍ ኣቐድም ኣቢሉ ን50 ሰብ ጥራይ ተባሂሉ ዝተፈቕደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ስለዝተሳተፍዎ፣ ብመሰረት ሕጊ ፖሊስ ንምብታኑ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ናብ ግጭት ስለዘምርሐ ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዳርባ እምኒ ዝተሰነየ ግጭት ከምዝተኻየደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት ፖሊስ ዮቶቦርይ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዋላ እኳ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ተነቢሩ ዘሎ ናይ ምእካብ እገዳ እንተተጣሕሰ ካብ መጀምሪኡን ኣካይድኡን ሰላማዊ ምንባሩን፣ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ዉሽጢ እቲ ሰልፊ 40 ዝኣኽሉ ሰባት እብ ምዕናዉ ንብረትን ዕግርግርን ብእስን ብምፍጣር ናብ ዘይተረጋግኤ ኩነታት ከምዝቐየርዎ ገሊጹ። በታኒ ኣድማ ሓይሊ ፖሊስ ነቲ ምትእኽኻብ ኣብ ምብታን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝኣሰሩን፣ ናብ ሎሚ ኣብ ዘዉግሕ ለይቲ ምቅጻል ምካይን ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ናይ ዕንወትን ምብልሻዉን ተግባራት ከምዝተፈጸሙ፣ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com