Friday , May 17 2024
structures destroyed by wildfire are seen in Lytton, British Columbia, on Thursday, July 1, 2021. (Darryl Dyck/The Canadian Press via AP) VCRD114

ኣብ ካናዳ፡ ባርዕ ሓዊ ተኸሲቱ

ኣብ ካናዳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዘመዝገበት ዓዲ፡ 90% ብባርዕ ከም ዝዓነወት ኣባል ባይቶ ገሊጹ።

ኣብዛ ሊቶን እተባህለት ኣብ ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ እትርከብ ዓዲን ትሕተቅርጻኣን ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዳ፡ ብራድ ቪዝ፡ ገሊጹ’ሎ። ከንቲባ ሊቶን ዣን ፖልደርማን “ብህይወተይ ምውጽአይ ንገዛእ ርእሰይ ከም ዕድለኛ እየ ዝርእያ”። “ሊቶን፡ ብምሉኣ እያ ነዲዳ…ምንም ዝተረፋ የብላን” ኢሉ። ንሱ፡ እቲ ባርዕ ቅድሚ ምኽሳቱ 15 ደቓይቕ ኣቢሉ ነበርቲ ሊቶን ካብታ ዓዲ ክግዕዙ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ’ዩ።

ሊቶን፡ ኣብ ካናዳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ብምምዝጋብ ክሳብ 49.6 °C ምብጽሓ ተገሊጹ። ኣብ ሰፋሕቲ ግዝኣታት ሰሜን ኣመሪካ ብዘይልሙድ ኣገባብ ልዑል መጠን ሙቐት ይምዝገብ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። ኣብ ምዕራብ ካናዳ እትርከብ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት 486 ሰባት ምሟቶምን ምስቲ ኣብ ንቡር እዋን ዝኽሰር 165 ሞት ብምንጽጻር ዝለዓለ ምዃኑን ድማ ተሓቢሩ።

እዚ ባርዕ ዝተኸስተሉ ዋና ምኽንያት ኣዝዩ ንቚጽ ክሊማ ምዃኑ ዝገለጸት፡ ቺፍ ኮሮነር ሊሳ ላፖይንቴ፡ እያ። ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት፡ እዛ ዓዲ ብልዑል መጠን ሙቐት ካብ 3-5 ሰባት ይሞቱ ኔሮም ድሕሪ ምባል ዝበዝሑ እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ንበይኖም ኣብ መዝሓሊ ዘይብሉ ቦታ ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com