Sunday , May 19 2024
Foto Fredrik Persson / TT kod 1081

ኣብ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ሽወደን፡ ጒዳይ ኔቶን ምውህሃድ ስደተኛታትን ዝለዓለ ኣተኲሮ ተዋሂብዎ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ክካየድ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ፖለቲካዊ ክትዓት ምክያደን ተፈሊጡ።. ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማድጋሌና ኣንደርሾን፡ ከምኡውን መራሒ ናይታ ዝዓበየት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ (ዓቃባዊ ሰልፊ) ዝኾነ ኡልፍ ክርስተርሾን፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ናይ ደገፍ ድምጺ ክረክብ ከም ዝግባእ ተሰማሚዖም ኣለዉ። መራሕቲ ማእከላይ ሰልፊ ኣኒ ሌፍ፡ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ጂሚ ኤከሶን ኣብ ጒዳይ ምውህሃድ ስደተኛታት ርሱን ክትዓት ምክያዶም ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com