Friday , May 17 2024

ኣብ ወርሒ የካቲት፡ ንግዳዊ መኽሰብ ሽወደን 7.3 ቢልዮን ክሮነ ነይሩ

ንግዳዊ መኽሰብ ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ የካቲት 2021፡ ክሳብ 7.3 ቢልዮን ክሮነ ምብጽሑ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ዋጋ 122.9 ቢልዮን ክሮነ፡ ንብረት ንሰደድ ክተብቅዕ እንከላ፡ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእተወቶ ንብረት ድማ ብዋጋ 115.6 ቢልዮን ክሮነ ምንባሩን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ መጠን ሰደድ ብ3.7% ክጎድል እንከሎ መጠን ኣታዊ ንብረት ድማ ብ0.7% ምውሳኹ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ።

ኣብ ወርሒ የካቲት 2020፡ መጠን ንግዳዊ መኽሰብ ሃገረ ሽወደን፡ 12.8 ቢልዮን ክሮነ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com